On the site we use cookies for the website to function optimally. By continuing to browse, you agree that we use cookies.
What is cookies?
Money from Sweden

ምኽፋት ሕሳብ ባንካ / ኣብ ባንካ መንነትካ ምርግጋጽ

ሕሳብ ባንካ ክትከፍት ከለኻ እቲ ባንካ መን ምዃንካ ክቆጻጸር ግድን’ዩ። እቲ ባንካ ግድን መንነታት ምቁጽጻሩን ወላ’ውን ንዓማዊል ሕቶታት ምሕታቱን፤ ብመንገዲ ባንካ ገይሩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይሕጋውያን ንጥፈታት ከም ምሕጻብ ገንዘብ ዝኣመሰሉ ንኸይፍጽ ቢሉ’ዩ ዝገብሮ።

Compare prices for sending money from Sweden to...

Select receiving country
  • Afghanistan
  • Bangladesh
  • Bolivia
  • Bosnia and Herzegovina
  • Burkina Faso
  • Cambodia
  • Chile
  • China
  • Colombia
  • Denmark
  • Eritrea
  • Ethiopia
  • Finland
  • France
  • Gambia
  • Germany
  • Hungary
  • India
  • Iraq
  • Kenya
  • Lebanon
  • Mali
  • Montenegro
  • Mozambique
  • Nigeria
  • Norway
  • Pakistan
  • Philippines
  • Poland
  • Rwanda
  • Serbia
  • Somalia
  • Spain
  • Sri Lanka
  • Syria
  • Tanzania
  • Thailand
  • Turkey
  • Uganda
  • Ukraine
  • USA
  • Vietnam
  • Zambia

እቲ ባንካ ብኽልተ ደረጃ መንነትካ የረጋግጽ:

  1. ፈለማ ነቲ ባንካ ስምካ ትነግሮ። እቲ ባንካ ነዚ ዝገብሮ፤ ንስኻ ምናልባት ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ዂነት ሃሊኻ ንኣብነት ብልሽውና ንምፍጻም ትምዝመዝ ከይትህሉ ንምፍላጥ’ዩ። ካልኦት ነገራት ስግኣት ዝፈጥርሉ ንኸይህልዉ’ውን እቲ ባንካ ምክትታል ይገብር’ዩ።

  2. ድሕሪኡ ድማ ነቲ ኣነ ኣነ እየ ትብሎ ዘለኻ ናቱ መረጋገጺ እቲ ባንካ ክርኢ ይሓተካ። እቲ ባንካ ነዚ ብዝተፈላለይ መንገድታት ክገብሮ ይኽእል። እዞም ዝስዕቡ ሽወደናውያን ሰነዳት መንነት ቁቡላት’ዮም:

  • ፍቓድ መምርሒ መኪና(ፓቴንቲ)

  • ሽወደናዊ ፓስፖርት

  • ሽወደናዊ መንነት (ተሴራ)፤ እዚ ብሓደ ሽወደናዊ በዓል መዚ ዝወሃብ’ዩ።

  • ካልእ ዝተመስከረ ሽወደናዊ መንነታዊ ካርድ

ሽወደናዊ ሰነድ መንነት እንተ ዘይብልካ፤ ግን’ከ ናይ ወጻኢ ሰነድ መንነት እንተለካ፤ እቲ ባንካ ክሓተካ’ዩ። እዚ ናይ ወጻኢ ሰነድ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ክኸውን ይኽእል:

  • ፓስፖርት ናይ ካልእ ሃገር

  • ካልእ መንነታዊ ሰነድ። እቲ ፓስፖርት ይኹን እቲ መንነታዊ ሰነድ ስእልኻ ዘለዎን ዜግነትካ ዝሕብርን ክኸውን ኣገዳሲ’ዪ። እቲ ፓስፖርት ይኹን እቲ መንነታዊ ሰነድ ካብ ሓደ በዓል መዚ ወይ ካልእ ክምጥው ዝፍቀደሉ ኣካል ዝተዋህበ ክኸውን ኣለዎ።

ፓስፖርት ይኹን መንነታዊ መረጋገጺ ምንም’ኳ ኣይሃልኻ ደኣ’ምበር፤ እቲ ባንካ መን ምዃንካ ከረጋግጽ ግድን’ዩ። ቁቡል ዝኾነ መንነታዊ ሰነድ እንተ ዘይብልካ፤ እቲ ባንካ ብኻልኦት ዘተኣማምኑ ሰነዳትን መረጋገጽን ገይሩ መንነትካ ይቆጻጸሮ። እዚ ብልክዕ እንታይ ምዃኑ ውሱን ኣይኮነን፤ እንታ ደኣ ካብ ጒዳይ ናብ ጒዳይ ዝፈላለን እቲ ዓሚል ነቲ ባንካ ክንደይ ዝኣክል ስግኣት ክፈጥረሉ ከም ዝኽእል’ውን ኣብ ምርግጋጽ መንነት ተራ ኣለዎ። ነቶም ባንካ ኣዘራርቦም፤ ምኽሪ ምእንትን ክትረክብ። ምስ’ቲ ባንካ እንተ ዘይተሰማማዕካን ሕሳብ ባንካ ክትኸፍት እንተ ኣቢካብን፤ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጥርዓን(Allmänna Reklamationsnämnden) ብነጻ ጉዳይካ ክረኣየልካ ይኽእል’ዩ።