ገንዘብ ብኸምዚ ይለኣኽ
ገንዘብ ንምልኣኽ ናብ ባንካ ወይ ወኪል ወይ ድማ ናብ ሓዋላ ዝገብሩ ትካላት ተወከስ። ኩሎም ትካላት ገንዘብ ናብ ኩለን ሃገራት ኣይልእኻን’የን።
እቲ ትሕውሎ ገንዘብ ብጥረ-ገንዘብ፤ብካርድ ወይ ድማ ካብ ሕሳብ ባንክኻ ብምምሕልላፍክትኸፍሎ ይከኣል’ዩ። ኩሎም ትካላት ግን ኩሉ ዓይነታት ኣከፋፍላ ኣይቅበላን’የን።
ኣገዳሲ! ቅድሚ ነቲ ገንዘብ ምሕዋልካ ንዓኻ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እንታይ ምዃኖም ምፍላጡ ጽቡቕ’ዩ።
ክፍሊት: መሐወሊ ዋጋ ክንደይ ምዃኑ
ግዜ: እቲ ገንዘብ ንኽበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደሉ