ገለ ጌጋ እንተ ኣጋጠመ
ኣብ ገለ ጌጋ ወይ ሽግር ዘጋጥመሉ እዋን ዘሎ ውዑል ከመይ ከም ዝመስል ነቲ ትካል ሕተቶ። ከምኡ’ውን ገንዘብ ከም ዝሓወልካ ከም መርትዖ ክትጥቀመሎም ትኽእል ኣየኖት ሰነዳትን ወረቓቕትን ምዃኖም ሕተቶም። ገንዘብ ከም ዝለኣኽካ ከተረጋግጽ እንተ ኾይንካ፤ ኣየኖት ሮቾቢታታትን ውዕላትን ከምዘድልዩኻ ምፍላጦም ኣገዳሲ’ዩ። .
ኣገዳሲ:
ኩሉ ሳዕ ክሳብ እቲ ተቐባሊ ቁኑዕ መጠን ገንዘብ ኣብ ኢዱ ዝኣቱ ነቲ ውዕልን ሮቾቢታን ሓዞ ኢኻ።
እቲ ተቐባሊ’ውን ነቶም ዝወሃብዎ ሮቾቢታታት ሒዝዎም ክጸንሕ ኣገዳሲ’ዩ። ገለ ሽግር እንተ ኣጋጢሙ እርማት ክትጠልብ እንተ ኾይንካ፤ ማለት ጥርዓን ከተቕርብ እንተ ኾይንካ፤ ምህላው ናይ’ቶም ኩሎም ወረቓቕቲ ኣገዳሲ’ዩ። .