ገንዘብ ንምልኣኽ ክንደይ ዋግኡ?
ገንዘብ ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ መብዛሕታኡ እዋን ይፈላለ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ትካል ናታ ክፍሊታት ኣለዋ። ንወጻኢ ሃገር ዝሕውላ ትካላት መሐወሊ የኽፍላ እየን። እቲ ገንዘብ ምስተላእኸ፤ናይ ሸርፊ ናብ ናይ ተቐባሊት ሃገር ባጤራ ኢለን’ውን ክፍሊት ይወስዳ’የን። ብዝሒ ናይዞም ክፍሊታት ይፈላለ’ዩ።
ቅድሚ ገንዘብ ናብ ወጻኢ ሃገር ምልኣኽካ ገለ ክፍሊታት ከይረኣኻዮም ከይሓልፈፉኻ ምእንትን፤ እንተ ፈለጥካዮም ዝሓሸ’ዩ፡
ገንዘብ ንምስዳድ ዘሎ ቀዋሚ ክፍሊትን ንምሽራፍ ዘሎ ክፍሊትን ክንደይ ምዃኑ ፍለጦ። ሓንቲ ትካል ነቲ ሓደ ክፍሊት ሕሱር ትገብሮ ትኸውን ነቲ ካልኣይ ክፍሊት ግና ተኽብሮ ትኸውን።
ነቶም ዂሎም ክፍሊታት ደምሮም:
መስደዲ ክፍሊት
ክፍሊት ንመሽረፊ ባጤራ
ኣብ ምቕባል ገንዘብ ዘሎ ክፍሊት